ቅድሚ ልዕሊ ሚኢቲ ዓመት ኣቢሉ፣ ሽወደነዊ ዶ/ር ዮሃንስ ኮልሞዲን ናብ ኤርትራ መጺኡ ኣብ ቋንቋን ታሪኽን ኤርትራ ዘተኮረ መጽናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ።ዮሃንስ ኣብ መጽናዕቱ ብዙሓት ኣገደስቲ ነጥብታት ኣሊዒሉ ኣሎ።
እዛ መጽሓፍ ነቶም ኣገደስቲ ነጥብታት ብምፍታሽ ብውሑዱ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣካቲታ ትርከብ።
1. ካብ ዝኽሪ ሕብረተሰብ ዝሃሰሱ ኣፋዊ ግጥምታት
2. ሕብረተሰብና ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ብኸመይ ባህሉ ዓቂቡ ይኸይድ ከም ዝነበረ
3. ኣብቲ ግዜ'ቲ ዝነበረ ዘይተበረዘ ጽባቐ ቋንቋ ትግርኛ እንታይ ከም ዝመስል
4. እታ ህብብቲ መጽሓፍ ዮሃንስ ኮልሞዲን ዛንታ ጸዓዘጋን ሃዘጋን ብኸመይ ከም ዝተጻሕፈት፡,በዓለ መን ይተሓባበርዎ ከም ዝነበሩ ከም እውን ኣዘንተውቲ ታሪኽ በዓል መን ከም ዝነበሩ
ነዚኦምን ካልኦትን ኣገደስቲ ትሕዝቶታት ሒዛ እዛ መጽሓፍ ተቐሪባትልኩም ኣላ'ሞ ወንንዋ።