ናትካ ፣ ፍሉይነት ከለካ ። ካብ ውሽጢ'ዚ ቢልዮናት ፍጡር ዓለም፣ ንዓኻ ተባሂኩ፣ ኽትገብሮን ኽትበጽሖን ዝተዳለወልካ ጉዕዞ ህይወት ኣሎ። ኽትገብሮ፣ ዝተፈጠርካኩ ህይወት ኣሎ። ኽትጓዓዞ ዝተዳለወልካ ጉዕዞ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ'ዚ ጉዕዞኻ'ያ እተዘንቱ።
ዓለምና ካብ ዝርኣየቶም ብኩጻት ሰባት ካብካቶም ዓሰርተው-ክልተ፣ እቲ ዘይከውን ዝመስል ዛንታታቶም ብምክፋል ጥራይ፤ ንስኻውን ሕልምኻ ንምብጻሕ ዘኽእለካ ጸጋታት ሒዝካ ከም ዝተፈጠርካ ክገልጹልካ እዮም። ንስኻ ውን ተልእኾኻ ብምፍጻም ከምኦም ዓለም ክትቅይር ኢኻ።
ሓደ እዋን፣ ሓደ ጅግና ነይሩ... ።