Zum Hauptinhalt wechseln
Announcement for sales, promos, shipping info & more — Click and Collect available
  • Deutsch
  • English
  • ትግርኛ
  • አማርኛ
  • Belgien

    Belgien

    (EUR €)

  • Dänemark

    Dänemark

    (DKK kr.)

  • Deutschland

    Deutschland

    (EUR €)

  • Frankreich

    Frankreich

    (EUR €)

  • Italien

    Italien

    (EUR €)

  • Luxemburg

    Luxemburg

    (EUR €)

  • Niederlande

    Niederlande

    (EUR €)

  • Norwegen

    Norwegen

    (EUR €)

  • Österreich

    Österreich

    (EUR €)

  • Schweden

    Schweden

    (SEK kr)

  • Schweiz

    Schweiz

    (CHF CHF)

  • Vereinigtes Königreich

    Vereinigtes Königreich

    (GBP £)

ንምዕራብ
ንምዕራብ

ንምዕራብ

€20,00
€25,00
Inklusive Steuern.
Art.-Nr.: 100727

ንምዕራብ nmerab

ዘካርያስ ክብርኣብ

መንእሰያት ኤርትራ ውልቃዊ ሓርነት የብሎምን! ናትና ዝብልዎ ብኣእዳዎም ክጭብጥዎ ዝኽእሉ ዕድል ይኹን ብሩህ መጻኢ የብሎምን። ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ትምህርቶም፡ ሳዋ ኣብ ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ግዱድ ዕስክርና ተጸሚዶም’ዮም ዝዛዝምዎ። ኣብ ዓመተ 2001 ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ዝዛዘመ መንኣሰይ ዘካርያስ ክብርኣብ፡ ካብ ግዱድ ዕስክርናን ግህሰት ሰብኣውነትን ንምንጋፍ ዝነበሮ ኣማራጺ፡ ናብ ኣህጉር ኤውሮጳ ምስዳድ እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን ጉዕዞ ስደቱ፡ ከም’ቲ ብንኡስ ኣእምርኡ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ዝገመቶ ቀሊል ኣይነበረን። ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ፡ ንኣዋርሕ ብቓላት ክግለጽ ዘይክእል መከራን ስቓይን ተጻዊሩ ክሓልፍ ነይርዎ። ንኡስ ዘካርያስ ክብርኣብ፡ ነቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብስፍሓቱ ቀዳማይ ዝኾነ ምድረበዳ ሰሃራ ከቋርጽ ኣብ ዝሃቀነሉ እዋን፡ ብብርቱዕ ጽምኢ ማይ ሂወቱ ካብ ምሕላፍ ንስክላ ብተኣምር ክድሕን ኪኢሉ። ኣብ’ቲ ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግር ዝፈተነሉ ወቕቲ’ውን ብጥምየት፡ ብብርቱዕ ማዕበል፡ ንፋስን ዝናብን ተኸቢቡ ምስ ሞት ፊት ንፊት ተፋጢጡ፡ ንኻልኣይ ግዜ በታ መተካእታ ዘይብላ ህይወቱ ተፈቲኑ። ነዚ ኹሉ መስገደል ሰጊሩ ናብ’ታ ዝሓለማ ኣህጉር ኣውሮጳ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ከተማ ሚላኖ ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ጎደና ክድቅስ ተቐሲቡ። ኣብ ጀርመን ብምኽንያት እቲ ዘይሕጋዊ ዝተባህለ ስደቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሓቢሱ። መዓስ እዚ ጥራይ፡ ድሕሪ ማእሰርቱ ናብ ሃገሩ ክጥረዝ’ውን ተወሰነ። ነዚ ኹሉ ሓሊፉ ከም’ቲ ዝብህጎ ውልቃዊ ሓርነቱ ጨቢጡ ንምንባር ኣብ ስዊዘርላንድን ጀርመንን ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ንዓመታት ከርፋሕ ናብራ ኣሕሊፉ። ነቶም በብእዋኑ ዝቕልቀሉ ዝነበሩ ዓበይትን ንኣሽቱን ጸገማት’ውን ከከም ኣመጻጽኦኦም ክገጥሞም ነይርዎ። እዛ ናይ ዓመታት ናይ ስደት ዝኽሪ ዝሓዘት መጽሓፍ እምበኣር መንእሰይ ዘካርያስ ክብርኣብ ብኸመይ ከምዝሰገሮን ዝመከቶን እትገልጽ ውልቃዊት፣ ግን ከኣ ንዛንታ ኣሽሓት ኤርትራውያን ክትውክል እትኽእል ሰነድ እያ።

Customer Reviews

Be the first to write a review
0%
(0)
0%
(0)
0%
(0)
0%
(0)
0%
(0)

Customer Reviews

Be the first to write a review
0%
(0)
0%
(0)
0%
(0)
0%
(0)
0%
(0)