Zum Hauptinhalt wechseln
Announcement for sales, promos, shipping info & more — Click and Collect available
  • Deutsch
  • English
  • ትግርኛ
  • አማርኛ
  • ሉክሰምበርግ

    ሉክሰምበርግ

    (EUR €)

  • ስዊዘርላንድ

    ስዊዘርላንድ

    (CHF CHF)

  • ስዊድን

    ስዊድን

    (SEK kr)

  • ቤልጄም

    ቤልጄም

    (EUR €)

  • ኔዘርላንድ

    ኔዘርላንድ

    (EUR €)

  • ኖርዌይ

    ኖርዌይ

    (EUR €)

  • ኦስትሪያ

    ኦስትሪያ

    (EUR €)

  • ዩናይትድ ኪንግደም

    ዩናይትድ ኪንግደም

    (GBP £)

  • ዴንማርክ

    ዴንማርክ

    (DKK kr.)

  • ጀርመን

    ጀርመን

    (EUR €)

  • ጣሊያን

    ጣሊያን

    (EUR €)

  • ፈረንሳይ

    ፈረንሳይ

    (EUR €)

ቋንቋ ፍቕሪ
ቋንቋ ፍቕሪ

ቋንቋ ፍቕሪ

€15,00
€20,00
Inklusive Steuern.
Art.-Nr.: 100721

ቋንቋ ፍቕሪ qanqa fqri

ካብ መጽሓፍ
"ቋንቋ ፍቕሪ ን ነባሪ ፍቕራዊ ዝምድና "
ዝተወስደ
 ንፉዓት ተዛረብቲ ቛንቋ ፍቕሪ ኽንከውን እንተ ደኣ ዄንና፡
ቋንቋ ፍቕሪ መጻምድትና ኽንመሃር ክንስልኪ የብልናን።
 ንፍቕሪ ኽንብል እምባታት ንሓኩር፡ ኣጻድፍ ንወርድ፡ ስንጭሮታት ንሰግር፡ ማዕበላት ባሕሪ ንሰናጥቕ፡ ምድረበዳ ንጥሕስ ብፍቕሪን ንፍቕሪን ዘይግበር የሎን። ብዘይ ፍቕሪ ግና ጎቦ ኣይሕኮርን ስንጭሮ ኣይብተኽን፡ ምድረበዳ ኣይስገርን ኮታ ኣብ ህይወት ዘጋጥሙና ማሕለኻታት ኣይፍትሑን ንዘልኣለም ከምኡ ኢሎም ብኡስራቶም ይነብሩ።
 ኣብ ሕምብርቲ ህላወ ደቂሰብ ብኻልኦት ናይ ምፍቃር ባህጊ ኣሎ። መርዓ ድማ ነዚ ባህጊ’ዚ ንምምላእ ተባሂሉ ይእቶ።
 “ኣደይ ኣነ ጓል 10 ዓመት ምስ ኮንኩ ምስ ካልእ ሰብኣይ ክትምርዖ እንከላ ንእኣ ዘፍቅራ ሰብ ረኺባ፡ ንኣይ ግና ዘፍቅረኒ ሰብ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ኣደይ’ውን እንተ ኾነ ኣይተፍቅረን’ያ። ተፍቅረኒ እንተ ትኸውን ኣብ ክንዳይ ካልእ ሰብኣይ ኣይመፍቀረትን ንሳ ግና ኸምኡ’ያ ገይራ። በቃ ኣብ ክንዳይ ካልእ ሰብኣይ ኣፍቂራ። ጽምዋ ኽስምዓንን ክፍቀር ከም ዘለንን ክሓስብ ዕረፍቲ ኣይነበረንን። ኣብ ከምዚ ህሞት እንከለኹ’የ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃሰው ኢለ ፍቕሪ ኸናዲ ጀሚረ። ረኺበ ኸኣ። እዚ ኽብለካ እንከለኹ ብሓቂ ተፈቒረ ኢለ ኽኣምን ኣይከኣልኩን። ዘይፍትኖ ብምባል’የ ጀሚረዮ። እቲ ወዲ ብዕድመ ኻባይ ይዓቢ’ዩ። ኣነ ብሰብ ተፈቒረ ስለ ዘይፈልጥ ከም ዘፍቅረኒ ምስ ነገረኒ ኣፍቂረዮ። ምስኡ ፍቕሪ ‘ምበር ጾታዊ ርክብ ኣይነበረን ድሌተይ። ንኸይከስሮ ኽብል ግን ምስኡ ጾታዊ ርብክ ጀሚረ፡”
 ኣብ ሓዳር ናይ ስምዒትና ቖፎ ፍቕሪ ምምላእ ልክዕ ከም ንሓንቲ መኪና ብዝግባእ ዘይቲ ምሃብ ከም ማለት እዩ። ፍቕራዊ ቖፎኻ ጥራሑ ገይርካ ንሓዳር ምዝዋር፡ ካብቲ ጥራሑ ዘይቲ ገይርካ እትዝውራ መኪና ኸጋጥመካ ዝኽእል ሓደጋ ንላዕሊ ‘ዩ።
 ናይ ቅድሚ መርዓ ሕልምታት ፍቕራዊ ፍስሃ ጥራይ’ዩ፡ ኣብ ፍቕሪ ወዲቕካ ኽሳዕ ዝሃለኻ ኻልእ ክትሓስብ ጸገም’ዩ።
ሃነይነይታ ፍቕሪ፡ ጸሓይ ምስ በረቐት ዝሃፍፍ ዛዕዛዕታ’ዩ። ጸሓይ ክትዓርብ እንከላ ኸኣ ካልእ ዓለም ክትቅይር ትሃርፍ እንደገና ናብ ካልእ ዛዕዛዕታ ትሰጋገር።
ዕላማ ፍቕሪ እትደልዮ ነገር ምርካብ ዘይኮነ መጻምድትኻ ዝሕጐሰሉ ነገር ምግባር እዩ።
 ገለ ገለ ሰብ ሓዳር፡ ብሓባር ኣብ ሓደ ገዛ ስለ ዝተቐመጡ ጥራይ ብሓንሳብ ኣሎና ወይ ስኒት ኣሎና ኽብሉ ይኽእሉ ይኾኑ፡ ምናልባት ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ዋላ’ውን ኣብ ሓንቲ ዓራት እናደቀሱ ብሓንሳብ ኣለዉ ወይ ስኒት ኣለዎም ማለት ኣይኮነን።
“ንኣስታት 20 ዓመታት ብዘይተጉላባነት ኣገልጊለዮ። ንእግሩን ኢዱን መሲለ ተጓዒዘ። ኸም ዘይናቱ ርእዩ ዕሽሽ እናበለኒ ኽርድኦ ተጸብየዮ። ኣብ ቅድሚ ስድራቤተይ፡ መሓዙተይ፡ እናዘለፈንን ክብሪ እናኸልኣንን ምንጻፍ ገዝኡ ኾይነ ኸይደ። እዚ ዅሉ እናገበረ ግና ኣይጸላእክዎን። ቅሬታ ግን ነይሩኒ። ደጊም ምስኡ ናይ ምንበር ድሌት የብለይን። ደኺመ ኣኺሉ ተሪፉኒ።”
ንብዓልቲ ቤትካ ንዅዳር ይኹን ንምብጻሕ እንክትወጽእ ሓቚፍካ ብምስዓም እንተ ኣፋኒኻያ መግለጺ ፍቕሪ ጥራይ ኣይኮነን፡ ካብ ዝወጸቶ ቐልጢፋ ንኽትምለስ’ውን ሓጋዚ’ዩ።
Fithawi Estifanos
ደራሲ ፍትሓዊ እስቲፋኖስ